Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መፃኢ ሓሙስ ኣብ ዘካይዶ ህፁፅ ኣኼቡኡ ረቂቕ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ከፅድቕ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝቕፅል ሓሙስ ኣብ ዘካይዶ ህፁፅ ኣኼቡኡ ረቂቕ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ባይቶ ወከል ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ መፃኢ ሓሙስ 5 ለካቲት 2012 ዓ.ም 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ኣኼቡኡ ከካይድ ኢዩ።

ኣብቲ ህፁፅ ኣኼቡኡ ድማ ረቂቕ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝተመዛበሉ ሰባት ሓለዋን ሓገዝን ንምግባር ብሕብረት ኣፍሪካ ዝወፅአ ስምምዕነት ካምፓላ መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ቀዋሚ ኮሚቴ ማሕበራዊ ጉዳያት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክብ ወፃኢን፥ ተበፃሕነት ስራሕቲ ሕትመት ፅሑፍ ንምትዕርራይ ዝወፅአ ስምምዕነት ማራካሽ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ዘቕርቡዎ ፀብፃብን ውሳነን መርሚሩ ነቲ ኣዋጅ ከምዘፅድቖ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ባይቶ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ማሕበራዊ ጉዳያት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ቻርተር ህዝቢታት ኣፍሪካ መሰል ኣረጋውያን ስምምዕነት ፕቶከኮል ንምፅዳቕ ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ኣዋጅ ስነ-ስርዓት ምሕደራ ፌዴራል ብዝምልከት ካብ ቀዋሚ ኮሚቴ ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጂን ዝቐረበሉ ፀብፃብን ውሳነን መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክብ ወፃኢን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝተውሃቡ ውሳነታት ግልግል ዳይነት ኣፍልጦ ንመሃብን ስምምዕነት ትግበራን ሓዊሱ ዘረባ ፅልኢትን ፈነወ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅን ካልኦት ኣዋጃት በቲ ባይቶ ክፀድቁ ኢዮም ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.