Fana: At a Speed of Life!

ብበሪሶ ኣመሎ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ወደብ ዶራሌህ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ብበሪሶ ኣመሎ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ወደብ ዶራሌህ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ።

እሮም ዋና ፈፃሚ ስራሕን ልኡኾምን÷ ምስ ኣቦ መንበር ናፃ ንግዲ ዞባን ዓለም ለኸ ወደባትንን ጅቡቲ ኣቡበከር ኦማር ሃዲ እውን ተዛቲዩ።

ኣብ ዘተኡ ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ዘፈር ባሕሪን ሎጂስቲክስን ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ገይሮም፡፡

ዑደት እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ምድንፋዕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ምግላፁ ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ የመላኽት፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.