Fana: At a Speed of Life!

ብኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዕላዊ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ጅቡቲ ዑደት ዝገበረ ብፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ እታ ሃገር መሓመድ ዓሊ ሁመድ ብዝቐረበሉ እንግዶት ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣብ ቤት ምኽሪ ጅቡቲ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ እንትኾኑ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዓውዲታት ዘለዉወን ርክባት ብምልዓል፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ርክብ ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

ተረባሕነት ክልቲአን ሃገራት ንምርግጋፅ፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ቤት ምኽሪ ጅቡቲን ዘለዎም ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ጂቡቲ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ወደብ ጅቡቲ ዘሎ ምንቅስቓስ ስራሕ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ።

ብተወሳኺ ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ስራሕቲ ምጉዕዓዝ መዳበሪያ ተረኺቦም እውን ተመልኪቱ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.