Fana: At a Speed of Life!

ብክብረወሰን ዋጋ ዝተሸጠት ሞዴል 2007 ኣይፎን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓንቲ ኣብ 2007 ዘገልገለት ኣፕል ኣይፎን ታሪኽ ከምዘመዝገበት ተገሊፁ።

ኣብ መጀመርታ ብ599 ዶላር ትሽየጥ ዝነበረት እዛ ኣይፎን ካብ 50 ሺሕ ክሳብ 100 ሺሕ ዶላር ክትሽየጥ ትፅቢት ተገይሩ ነይሩ።

እንተዀነ ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ክብረወሰናት መሸጣ ብዝዛይድ ዋጋ ክትሽየጥ ክኢላ ኣላ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ እታ ዘይተኸፍተት 4ጂቢ (4GB) ሞዴል ኣይፎን ቀዳማይ ሕታም ኰይና ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሓራጅ ብ190 ሺሕን 372 ነጥቢ 80 ዶላር ተሸይጣ።

ኣብቲ እዋን ከምዚአን ዓይነት ሞዴላት ብብዝሒ ስለዘይተሰርሓ ብኣከብቲ ኣይፎን ከም “ቅዱስ ፅዋዕ” ክትቑፀር ምኽንያት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ብኤልሲጂ ኦክሽንስ ዝመሓደር ሎት ብድምር 28 ጨረታታት ዝሰሓበ ክኸውን እንከሎ፥ እታ ኣይፎን ካብቲ መበገሲ ዋጋ ብኣስታት 400 ዕፅፊ እያ ተሸይጣ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.