Fana: At a Speed of Life!

ተቓላዕነት ሕማም ካንሰር ዘጋድዱ ምኽንያታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካንሰር ዝተዛብዑ ህዋሳት ብቕልጡፍ እንትከፋፈሉን ናብ ካልኦት ክፍሊ ሰውነት ዝስፋሕፋሕ ዓይነት ሕማም ኢዩ፡፡

እዞም ብቕልጡፍ ዝዓብዩ ሴላት ድማ ሕበጥ ከስዕብን ስሩዕ ተግባር ሰውነት ከዛብዑ ዝኽእሉ ኢዮም፡፡

ከም ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ካንሰር ኣብ ዓለም ንሞት ካብ ዘቃልዑ ምኽንያታት ሓደን ብቐዳምነት ዝስራዕን ኢዩ።

ንካንሰር ዘቃልዑ ምኽንያታትን መገዲታት መከላኸሊን ብምፍላጥ ንባዕልኻ ካብቲ ሕማም ምሕላው ከምዝግባእ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይምዕዱ፡፡

ኬሚካላት፡ ሽጋራ ምትካኽ፣ ኣልኮል፣ ብኽለት ኣየር (ለውጢ)፣ ዝተኸልከለ ምግቢን ማይን ምስታይ፣ ቫይረሳት፣ ባክቴሪያ፣ ፅግዕተኛ ተውሳክ፣ ጨረርን ካልኦትን ንካንሰር ዘቃልዑ ምኽንያታት እናተብሃሉ ይፅርሑ፡፡

ሓሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፥ 33 ሚኢታዊ ዝኸውን ብካንሰር ዘጋጥም ሞት ብትምባኾ፣ ኣልኮል፣ ልዑል ክብደት ሰውነት፣ ኣጠቓቕማ ፍረምረን ኣትክልቲን ምውሓድን እኹል ምንቅስቓስ ኣካል ጥንካረ ብዘይምግባርን ዘጋጥሙ ኢዮም።

ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ብካንሰር ዝሓመመ እንተሃሊዩ (እንተነይሩ) ወይ ድማ ንካንሰር ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ልዑል እንተኾይኑ ማዕዳ ሰብ ሞያ ሕክምና ምክትታል ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

ሓደ ሓደ ዓይነታት ካንሰር ኣቐዲምካ ንምፍላይ ከቢድን ክሳብ መወዳእታ ደረጃ ምልክታት ዘይከርእዩ ከምዝኽእሉ ይግለፅ፡፡

ሕበጥ ወይ ድማ ካልኦት ክፍሊታት ሰብነት ዝተፈለየ ዕቤት እንትረአ፣ ክብደት ምንካይ፣ ትኩሳት፣ ድኻም፣ ሕማም፣ ምሸሽት ረሃፅ ምውፃእ፣ ለውጢ ምሕቓቕ ምግቢ ወይ ድማ ምትእጉጓል፣ ምልዋጥ ቆርበትን ሰዓልን ካብ ሞንጎ ምልክታት ካንሰር ይፅርሑ፡፡

ቀዳማይ ዓይነት ሕክምና ሕማም ካንሰር ከም መጥባሕቲ ወይ እውን ካንሰር ዝተፈጠረሉ ክፍሊ ሰውነት ወይ ሕበጥ ብምፍላይ ዝግበር ሕክምና ጨረር ኢዩ፡፡

ካልኣይ ድማ ንካልኦት ክፍሊታት ሰውነት ክጎድኡ ዝኽእሉ እንትኾኑ፥ ኬሞቴራፒና ካልኦትን ዘካተተ ዓይነት ሕክምና ኢዩ፡፡

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ድማ ክንክን ፀረ ቃንዛ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ምስ ሕማም ካንሰር ተተሓሒዞም ዝመፅኡ ማሕለኻታት ጥዕና ከም ፀገም ምትንፋስን ሕክምና ፀረ ቃንዛን የካትት።

ተቓላዕነት ሕማም ካንሰር ዘጋድዱ ምኽንያታት፦

– ሽጋራ ምትካኽ

– ብልዑል መጠን ኣልኮል ምስታይ

– ጥዕንኡ ዘይተሓለወ ስርዓት ኣመጋግባ

– ዝተዓሸጉን ዝተቀነባበሩን ምግቢታት ከምኡ እውን ልስሉስ መስተታት ምብዛሕ

– ልዕሊ ዓቐን ምርጓድ

– ምንቅስቓስ ኣካል ጥንካረ ዘይምግባር

– ብዝለዓለ ኩነታት ንፀሓይን ንጨረርን ምቅላዕ

– ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዘጋጥሙ ኢንፌክሽናት ኢዮም

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.