Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ኣብ ግዘ ሰሌዳ ዝቐፅል ሃገራዊ መረፃ ኣድሂቡ ኣውሽጢ ክልተ ሰሙን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ከምዝዛተ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ግዘ ሰሌዳ ዝቐፅል ሃገራ መረፃ ኣድሂቡ ኣውሽጢ ክልተ ሰሙን ምስ ፓርቲታት ፖለቲካን ካልኦት መዳርግኣካላትን ከምዝዛተ ኣፍሊጡ።
 
ዕላማ እቲ ዘተ ድማ እቲ ግዘ ሰሌዳ ንምምዕባል ዝሕግዙ ተወሰኽቲ ሓሳባት ንምርካብ ምዃኑ ተገሊፁ።
 
ኣማኻሪት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ቦርድ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፀኦ፥ በቲ ረቂቐ ግዘ ሰሌዳ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ተገይሩ ብሓሳብ ምስ ማዕበለ ዕላዊ ክግበር ኢዩ።
 
ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ብዛዕባ ዝቕፅል ሃገራ መረፃ ሓበሬታ ረኺብና እናበሉ ዝፈነዉዎ ፀብፃብ ካብ ሓቂ ዝረኻቐ ምዃኑ እውን ወይዘሪት ሶሊያና ገሊፀን።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.