Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ዕድጊት ንምዝገባ መረፅቲ ዘገልግሉ ውፅኢታት ሕትመትን ኣቑሑትን ምዝዛሙ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዕድጊት ንምዝገባ መረፅቲ ዘገልግሉ ውፅኢታት ሕትመትን ካልኦት ኣቑሑት መረፃን ምዝዛሙ ገሊፁ።

እቶም ኣቕሑት ልዑል ሓለዋ ብዘለዎ መኽዚን ካርጎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሉ ምእታው ከምዝዛመ ዝገለፀ እቲ ቦርድ፥ ስራሕቲ ምደባ እቶም ኣቕሑት መረፃ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅምር ዕላዊ ምግባሩ ካብ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 6 ለካቲት 2012 ዓ.ም ዕላዊ ብዝገበሮ መሰረት፥ መውሃቢ ድምፂ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ዝተመሓየሸ ሰሌዳ ጊዜ 23 ነሓሰ ክኸውን ተወሲኑ ኢዩ።

ቅድሚ ሕዚ መዓልቲ መውሃቢ ድምፂ 10 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ክኸውን ብግዚያዊነት ተወሲኑ ከምዝነበረ ይዝከር።

ግዘ መረፃ ንምንዋሕ ዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ውሽጢ ግምት ዝኣተወ ዋላ እንተኾነ፥ ብመንፅር ሕጊ ዝተመሓየሸ ሰሌዳ ጊዜ መውሃቢ ድምፂ 23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ክኸውን ከምዝተወሰነ ኣካቢት እቲ ቦርድ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ተዛሪበን።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.