Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብልፅግና ፓርቲ ሰርተፍኬት ኣፍልጦ ንክወሃቦ ውሳነ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብልፅግና ፓርቲ ሰርተፍኬት ኣፍልጦ ንክወሃቦ ውሳነ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
 
ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ዝነበሩ ሰለስተ ውድባትን ካልኦት ሓሙሽተ ፓርቲታትን ብሓባር ብምዃን ብልፅግና ፓርቲ ከምዘጣየሹ ብምግላፅ ሰርተፍኬት ኣፍልጦ ንክወሃቦም 24 ሕዳር 2012 ዓ.ም ሕቶ ከምዘቕረቡ እቲ ቦርድ ኣዘኻኺሩ።
 
ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ሕቶ ኣዋጅ ምርጫ ፓርቲታት ፖለቲካ 1162/2011 ብምርኣይ ውሳነ ከምዝሃበ ድማ ኣፍሊጡ።
 
ስለዝኾነ፦
 
1. ኦሮሞ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ( ኦዴፓ)፣
 
2. ህዝባዊ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ደቡብ ኢትዮጵያ (ደኢህዴን)፣
 
3. ኣማራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ( ኣዴፓ) ፣
 
4. ብሔራዊ ሊግ ሃረሪ (ሃብሊ)፣
 
5. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝብታት ሶማሌ ኢትዮጵያ (ኢሶህዴፓ)፣
 
6. ብሔራዊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዓፋር (ኣብዴፓ) ፣
 
7. ሓድነት ፓርቲ ህዝቢ ጋምቤላ (ጋህአዴን)
 
8. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝቢ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ( ቤጉህዴፓ) ብመሰረት ውሳነ ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ንምውሃድነኒበይኖም/ብተናፀል ዘቕረብዎ ሕቶ፥ ሙሉእ ንሙሉእ ሕጊ ተኸቲሉ ዝተፈፀመ ብምዃኑ ዝነበረ ስያሜ ፓርቶም ብምስራዝ ሰርተፍኬት ኣፍልጦ ብልፅግና ፓርቲ ንክወሃቦ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
 
ብመሰረት እዚ እቲ ውሁድ ፓርቲ ካብ ዝምዝገብ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ብኣዋጅ 1162/2011 ዓንቀፅ 92/2 መሰረት እቲ ውህደት ዝወነኖ ሃፍቲን ንብረትን ከምኡ እውን ዕዳ ዘርእይ ፀብፃብ ሒሳብ ናብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንከቕርብ ውሳነ ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.