Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ “ንናይ ኣፍሪካ ፀገም ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ዝብል ቅዋም ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ቆንስላ ቤት ፅሕፈት ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ጀማል በከር ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ባህሬን ኢሲን ኣኪል ጋር ክልተኣዊ ርክባት ኣብ ዝጠናኸረሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ጀማል ኣብ ዘተኦም፥ ነዊሕ እዋን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብምንኣድ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢሉ እውነ ኣብቲ ኣህጉር ሰላምን ምርግጋእን ንኽህሉ ምትእስሳርን ምትሕብባርን ኢኮኖሚ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንኽጠናኸር ኩለመዳይ ርክብ ምጥንኻር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣምባሳደር ኢሲን ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ለውጢ ብቕርበት ከምዝከታተላ ብምግላፅ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንኻልኦት ኣብነት ዝኸውን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ሰላም፣ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዘለወን ከምዝኾናን ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ድሌት ከምዘለወንን ገሊፀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ “ንኣፍሪካዊ ፀገም ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ቅዋም ሃገረን ከምትድግፎ ተዛሪበን፡፡

ክልቲኦም ኣምባሳደራት ኣብ መወዳእታ ዘተኦም፥ ታሪኻዊን ሕውነታዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.