Fana: At a Speed of Life!

ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነባር ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ሎሚ መዓልቲ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊያ።

ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው፥ ኣብ 1970ታት ጋዜጠኛ ሬዲዮ ጀርመን ዝነበረት እንትትኮን፥ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብስርዓት ደርጊ ዝበፅሕ ዝነበረ በደልን ግፍዕን ንምቅላስ ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ተፀምቢራ ግቡኣ ፈፂማ ኢያ።

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሓበሬታ ፌዴሪኢ፣ ዳይሬክተር ዓውዲ ሰላምን ፀፅታን ኢጋድን፣ ሓጋዚት ተፀዋዒት መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምዃን ከምዘገልገለት ይፍለጥ።

ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ክሳብ ዕለተ ሕልፈታ ንህዝብን ሃገርን ኣብ ዝተውሃባ ሓላፍነት እናገልገለት ዝፀንሐት እንትትከውን፥ ብዝሓደራ ሕማም ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረላ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ 30 ለካቲት 2012 ዓ/ም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልያ ኣላ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፥ ብዘጋጠማ ሕማም ብመስዋእቲ ንዝተፈለየት ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብሽም መንግስቲን ህዝቢ ትግራይን ገሊፁ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስውእቲ ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ኣብ መቐለ መቓብር ሓርበኛታት ከምዝፍፀም ስዝገለፀ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፥ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝፍፀመሉ መዓልትን ሰዓትን ብሚዲያታት ከም ዝግለፅ ሓቢሩ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለፀ ንመላእ ስድራ ቤታን ፈተውታን ፅንዓት ይምነ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.