Fana: At a Speed of Life!

ናብ ከተማታ ፈረንሳይ ተወሰኽቲ በረራታት ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታ ፈረንሳይ ተወሰኽቲ በረራታት ንምግባር ዘኽእሎ ስምምዕነት ምስ ሰብ መዚ ኤሮኖቲካል ፈረንሳይ ተፈራሪሙ፡፡

እቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣይተ ጌታቸው መንግስቴን ኣብ በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ፈረንሳይ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ትራንስፖርት ኣየር ኢማኑኤል ቪቬትን ኢዮም፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ፓሪስ ብተወሳኺ ናብ ካልኦት ኣብ ሰሙን ሰለስተ ተወሰኽቲ በረራታት ንምግባር ከምዘኽእሎ ካብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሰሙን ሸውዓተ በረራታት ናብ ፓሪስ፣ ሰለስተ በረራታት ድማ ናብ ማርሴይ እናገበረ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.