Fana: At a Speed of Life!

ንስልጠና ብሄራዊ ግልጋሎት ወለንታ መናእሰይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤ ዝኣተዉ መናእሰይ ምስ ሚኒስትር ሰላም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንስልጠና ብሄራዊ ግልጋሎት ወለንታ መናእሰይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤ ዝኣተዉ መናእሰይ ምስ ኣመራርሓታት ፕሮጀክት ግልጋኮት ወለንታ ሚኒስትር ሰላም ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ጀነራል ህንፀት ሰላም ወይዘሮ ኣስማ ረዲን ኣማኻሪ ሚኒስትር ዝኾኑ ዶክተር ዮሃንስ ኣመነን፤ ኣብ ግልጋሎት ወለንታ ዘተኮሩ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም፡፡

ተሳተፍቲ መናእሰይ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ብምልዓል እኹል መልሲን መብርሂን ከምዝተውሃቦም እውን ተሓቢሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወልቂጤ ዶክተር ፋሬስ የሱፍ፥ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ብምምሕልላፍ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን መናእሰይ ኣብ ዝህልዎም እዋን ዝደለዩዎ ኩሉ ኣብ ጎኖም ብምዃን ከምዝሕግዙዎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዝህልዎም ፃንሒትን ስረሖምን ዝምልከት ገለፃ ከምዝግበረሎምን ናብ ስልጠና ከምዘኣትዉን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.