Fana: At a Speed of Life!

ንባዕሉ ግምባር ናፅነት ጋምቤላ ኢሉ ዝፅውዕ ውድብ ዋና መራሒ ጦር ኮይኑ እናርሐ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ንመንግስቲ ኢዱ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ንባዕሉ ግምባር ናፅነት ጋምቤላ (ጋነግ) ኢሉ ዝፅውዕ ውድብ ዋና መራሒ ጦር ኮይኑ እናርሐ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኣይተ ዛን ዱዌር ብሰላማዊ መገዲ ንምቅላስ ንመንግስቲ ኢዱ ሂቡ።

እቲ ውልቀ ሰብ ቅድም ክብል መንግስቲ እቲ ክልል ብዝገበሮ ሰላማዊ ፃውዒት ስዒቡ ብመራሕቲ ዓሌት እቲ ከባቢ ኣቢሉ ናብ ህዝቢ ክምለስ ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።

ዋና መራሒ ጦር ውድብ ግምባር ናፅነት ጋምቤላ (ጋነግ)ኮይኑ እናርሐ ዝነበረ ኣይተ ዛን ዱዌር፥ ብዝተሰሓሓተ መገዲ ናብ ጫካ ብምእታው ብረታዊ ቃልሲ እናገበረ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

መንግስቲ ዝገበሮ ፃውዒት ሰላም ስዒቡ ናብቲ ከባቢ ዝተመለሰ ውልቀሰብ ምስ መንግስ ብምቛን ግቡእ ክትትል እናተገበረሉ ከምዝኾነ ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.