Fana: At a Speed of Life!

ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ተሽከርከርቲ ዘፍሪዩ ሃገር በቆል ኢንዱስትሪታት ይፍጠሩ ኣለዉ- ኣይተ መላኩ ኣለበል

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ተሽከርከርቲ ዘፍሪዩ ሃገር በቆል ኢንዱስትሪታት ይፍጠሩ ኣለዉ ክብሉ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሚኒስቴር፥ ንልዕሊ 100 ሰባት ዕድል ስራሕ ኣብ ዝፈጠረ “ፍራንኩን ኢት አውቶሞቲቭ” ዝተብሃለ ሃገር ቦቆል ትካል ተሽከርከርቲ ዑደት ኣካይዶም።

ኣይተ መላኩ፥ እቶም ኢንዳስትሪታት ዘጋጥመን ሕልኽላኽ ብምፅዋር ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ተሽከርከርቲ ዘፍሪዩ ሃገር በቆል ኢንዱስትሪታት ይፍጠሩ ኣለዉ ኢሎም።

ፍሪያታት እተን ትካላት ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ልዐሉል ባህጊ ዕዳጋ  ንምምላእ ብፅርየትን ቅልጣፈን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ፀንቂቕካ ምጥቃም ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.