Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ዝነበረን ዝፀንሐ ርክብ ዘጠናኽር ስራሕ ይስራሕ ኣሎ – ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ዝነበረን ዝፀንሐ ርክብ ዘጠናኽር ስራሕ ብመንግስቲ ይስራሕ ኣሎ ከብሉ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬኒያ ባጫ ደበሌ ተዛሪቦም።

ክልቲአን ሃገራት ነዊሕ እዋን ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዘለወን ብምግላፅ፥ እቲ ርክብ ክሳብ ወተሃደራዊ ወዕሊ ዝዘለቐ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ወተሃደራዊ ውዕሊ ኢትዮጵያ ፀገም እንተጋጥማ ወተሃደር ኬኒያ ንኢትዮጵያ ክሳብ ምውጋእ ከምኡወን ኬኒያ ፀገም እንተጋጥማ ወታደር ኢትዮጵያ ንኬኒያ ክሳብ ምውጋእ ዝበፅሕ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ ኢትዮጵያ ምስ ኬኒያ ሰፊሕ ዶብ እትዋሰን ከምዝኾነት ብምግላፅ፥ ኣብ ከባቢ ዶብ ምንም ዓይነት ስእነት ሰላም እተን ሃገራት ኣጋጢሙወን ከምዘይፈልጥ ሓቢሮም።

ነዚ ሓሊኻ ንምቕፃል ጥምር ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ከምዝነበረን ኣዘኻኺሮም።

እቲ ልዑል ረብሓ ዘለዎ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓማውቲ ተቛሪፁ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብዚ ወርሒ ናይ ሓባር ኣኼባ ብምግባር ዝተፈላለዩ ሓበራዊ ሰነዳት ስምምዕ ከምዝኸተመ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲታት ፀፅታ፣ ቱሪዝም፣ ግብርናን ኤሌክትሪክን ሓዊሱ ኣብተን ሃገራት ኣብ ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጠመተ ዝገበረ ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተኸተመ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኬኒያ ዝገበርዎ ዑደት ናይ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሻገርን ንቕድሚት ክስርሑ ዝተሓሰቡ ስራሕቲ ብፅቡቕ ኩነታት ንምስራሕን ሓጋዚ ክኸውን ኢዩ ኡሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.