Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ፍቅሬ በቀለ ኣብ ውድድር ጉያ ማራቶን ሮም ሓዱሽ ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምስባር ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድድር ጉያ ማራቶን ሮም ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ፍቅሬ በቀለ ሓዱሽ ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምስባር ተዓዊቱ።

እቲ ኣትሌት 2 ሰዓት 6 ደቒቕን 48 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ሓዱሽ ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ዝሰበረ እንትኸውን፥ ኬንያዊ ኣትሌት ቤንጃሚን ኪፕቶ ኣብ 2009 ዘመዝገቦ ክብረወሰን ብምስባር ኢዩ ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ ዘሎ።

ኣትሌት ታደሰ ማሞ ኣብቲ ውድድር ካልኣይ እንትወፅእ፤ ኣትሌት ኣብርሃም ግርማ ድማ ራብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ብወገን ደቂ ኣንትዮ ኣትሌት ሲጫሌ ዳላሳ 2 ሰዓት 26 ደቒቕን 08 ሰከንድን ብምእታው ንሃገራ ወርቂ ኣምፂኣ።

ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፋ ኣትሌት ታደለች በቀለን የሺእመቤት ታደሰን ሳልሰይቲን ራብዐይቲን ብምውፃእ ውድድረን ዛዚመን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.