Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ምትእስሳር ወፃኢ ንግዲ ንምምሕያሽ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴን ግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ምትእስሳር ወፃኢ ንግዲ ንምምሕያሽ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴን ግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ሲምፖዚየም ስግግር ፍልጠት ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ቻይና ከተማ ቤጂንግ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሚኒስቴር ዴኤታ ግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ÷ ኣብ ቻይና ፍርያት ኢትዮጵያ ዓደግቲ ናይ ቅብኣት እኽሊ ምስ ዝኾኑ ዓበይቲ ነጋዶ  ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

ቻይና ፍርያት ሕርሻ ኢትዮጵያ ብምቕባል ቀዳመይቲ ምዃና ብምሕባር÷ ኣብ ልውውጥ ንግዲ እተን ሃገራት ዝረአዩ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ስምምዕነት ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ምስ ቻይና ዝህሉ ወፃኢ ንግዲ ምምሕያሽ ከምህልዎ ዘለዎም እምነት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.