Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባን ዓለምን ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ  – ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካን ዓለምን ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

ዶክተር ኣብርሃም በላይ÷ ብኣሰናዳእነት ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ሚኒስትራት ሰላምን ፀፅታን ቻይና-ኣፍሪካ ተሳቲፎም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ ፎረም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “እዋኑ ኣብ ዓለምና ይኹን ከባቢና ዝረአዩ ፀገማት ፀፅታ ንምፍታሕ ምስ ሓይሊታት ሰላም ብምትሕብባር ምስራሕ ዘድልየሉ እዋን ኢዩ” ኢሎም፡፡

መበቆል ስልጣነ ዝኾነት ኢትዮጵያ እውን ብመንፈስ ፓን ኣፍሪካዊነት ኣፍሪካዊ ፀገማት ብኣፍሪካውያን ንምፍታሕ ብዕቱብ እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡

ዶክተር ኣብርሃም በላይ÷ ህዝባዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ ቻይና መካተቲን ሚዛናዊን ኣካይዳ ብምኽታል ንሰላምን ምርግጋእን ዓለም እናገበሮ ንዝርከብ ግደ ዘለዎም ክብሪን ናእዳን ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

“ሓራዊ ድሕንነት ንምርግጋፅ ሓድነትን ምውዳድን ምጥንኻር ይግባእ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ፎረም ሚኒስትራት ሰላምን ፀፅታን ቻይና-ኣፍሪካ ልዕሊ 50 ሚኒስትራትን ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.