Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ብ14 ኣትሌታት ክትውከል ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ስኮትላንድ ብ14 ኣትሌታት ክትውከል ኢያ።

ብመሰረት እዚ ብ800 ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትሌት ሃብታም ኣለሙ፣ ፅጌ ዱጉማ እንትካፈላ ወርቅነሽ መሰለ ብተተካኢነት ተታሒዛ ኣላ።

ከምኡ እውን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ፣ ድርቤ ወልተጂን ብርቄ ሓየሎምን ክሳተፋ ኢየን።

ለምለም ሃይሉ፣ ጉዳፍ ፀጋይን ሒሩት መሸሻን ብ3 ሺሕ ሜትሮ እንትሳተፋ፥ ኣትሌት መልክናት ውዱ ብተተካኢነት ተታሒዛ ኣላ።

ብደቂ ተባዕቲዮ፥ ሰለሞን ባረጋን ጌትነት ዋሌን ብ3 ሺሕ ሜትሮ እንትሳተፉ፥ ጥላሁን ኃይሌ ብተተካኢነት ተታሒዙ ኣሎ።

ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራን ቢኒያም መሓሪን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝሳተፉ ኢዮም።

ብ800 ሜትሮ ኣትሌት ኤፍሬም መኮንን ብሕታዊ ብምዃን ኢትዮጵያ ወኪሉ ዝሳተፍ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ውድድር፥ 20 ሻምፒዮናት ዓለም፣ 7 ተዓወትቲ ኦሊምፒክ፣ 18 ተዓወትቲ ሕሉፍ ውድድር ውሽጢ ገዛ ክሳተፉ ኢዮም።

ብሓፈሻ ካብ 133 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 651 ኣትሌታት ውድድር ከምዝካፈሉ ተገሊፁ።

ብወርቅነህ ጋሻሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.