Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ-ቴሌኮም ስርዓት ክፍሊት ሞባይል “ቴሌብር” ብዕሊ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጉንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም መርሃ ግብሪ ምጅማር ስርዓት ክፍሊት ሞባይል “ቴሌብር” ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት ካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልላት ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ስርዓት ክፍሊት ቴሌብር ኣየር ሰዓት ሞባይል ንምምላእን ክፍሊት ካልኦት ኣገልግሎታት ንምፍፃምን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ስርዓት ክፍሊት ሞባይል ኔትወርክ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቆፎ ስልኪ ብምጥቃም ዘኽእል ኢዩ።

ቴሌብር ኣብ ጁባ ከምዝተሓዝ ገንዘብ ቦርሳ፣ ገንዘብ ንመሓዝ፣ ንምክልኻልን ንምቕባልን ከምኡ እውን ክፍሊት ብሞባይል ንምፍፃም ከምዘኽእል ተገሊፁ።

ዓማዊል ስርዓት ክፍሊት፥ ካሽ ወይ ድማ ቼክ እንተየድለዮም ኩለመዳይ ክፍሊት ንኽፍፅሙ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ብብርኪ ሃገር ብብርኪ ዓለም ኣብ ኩሎም መገዲታት ገንዘብ ንምልእኣኽን ዕድጊት ኣቑሑትን ዝግበሩ ክፍሊታት ንምፍፃም ዘኽል ኢዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዘለዉ ዳያስፖራታት ገንዘብ ንምቕባል፣ ገንዘብ ንምቀቛር፣ ልቓሕ ንምርካብን ባንኪ ኣካውንት ምስ ቴሌብር ንምትእስሳርን ዝፈቕድ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.