Fana: At a Speed of Life!

ኢጋድ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዘኽእል 800 ሺሕ ብር ዝግመት ናውቲ ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢጋድ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዘኽእል 800 ሺሕ ብር ዝግመት ናውቲ ንሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣረኪቡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ነቲ ዝተገበረ ደገፍ ብምምስጋን፥ እቲ ሓገዝ ዝርገሐ ቫይረስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ኣብ ዶብ፣ ተመዛበልቲ ዘለዉሉ ከባቢን መዓስከር ስደተኛታትን ንዝስራሕ ስራሕቲ ከምዝውዕል ተዛሪበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ኢጋድ ዶክተር ግሩም ሃይሉ ብግደኦም፥ እቲ ሓገዝ ጓንቲ ኢድ፣ ማስክ፣ ፅርየት ኢድ ንምሕላው ዘገልግሉን ካልኦት ናውቲታትን ዝሓዘ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ሓገዝ ቀፃልነት ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.