Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሃረማያ ሓንቲ ኣደ ብሓደ ግዘ 4 ማናቱ ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወረዳ ሃረማያ ሓንቲ ኣደ ብሓደ ግዘ ኣርባዕተ ማናቱ ብሰላም ተገላጊላ።

ኣብቲ ወረዳ ቀበሌ ሸሪፍ ካሊድ ነባሪት ዝኾነት ወይዘሮ ማሪያ መሓመድ ሙሜ ÷ ሎሚ ንጉሆ ኢያ ኣብ ሆስፒታል ሃረማያ ብሓደ ግዘ ኣርባዕተ ቆልዑት ተገላጊላ ዘላ፡፡

ዝተወለዱት ህፃናት ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሰለሞን ታምራት÷ ኣዶ ኣርባዕተ ቆልዑት ብሕክምና መጥባሕቲ ክትገላገል ከምዝተገበረ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ህፃናት ካብ 1 ነጥቢ 4 ክሳብ 1 ነጥቢ 6 ኪሎ ግራም ከምዝምዘን ብምግላፅ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዶን እቶም ህፃናትን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡ ኣመልኪቶም፡፡

ብተሾመ ሃይሉ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.