Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ንምርግጋዕን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ዞባ መተከል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ንምርግጋዕን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ቢሮ ፀፅታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስ ፌዴራልን ተዋዲዱ ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ናብ ኣንፃራዊ ሰላም እናተመለሰ ከምዝኾነ እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ፀፅታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ኣይተ ኣበራ ባያታ፥ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ወምበራ ጣቢያ መልካን ኣብ ወረዳ በቡለን ጣቢያ ኤጳርን ብዝፈፀሙዎ መጥቃዕቲ ህይወት ንፁሃን ዜጋታት ከምዝሓለፈ ገሊፆም።

መንግስቲ እቲ ክልል በቲ ዝተፈፀመ ተግባር መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዖ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ንስድራቤት ግዳያት ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

እቲ ጥቕዓት ዝፈፀሙ ሓይሊታት ቅድም ክብል ኣብ ወረዳ ወምበራ ማእኸል ኮንግ ኣባላት ፓርቲ ብልፅናን ደገፍቲ መንግስቲን ኢኹም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ተግባራት መቕተልቲ፣ ምዕጋትን ምፍንቓልን ፈፂሞም ከምዝነበሩ እውን እቶም ሓላፊ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ወረዳ ጉባ ጣቢያ ያቡሉ መሰል መጥቃዕቲ ፈፂሞም ኢዮም ዝበሉ ኣይተ ኣበራ፥ ብሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራልን ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ብዝተወሰደሎም ስጉምቲ መብዛሕተኦም ምድምሳሶም ሓሊፉ168 ኣባላቶምን ሓገዝቶምን ኣብትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም ጉዳዮም ብሕጊ እናተርኣየ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኣብ ጣቢያ ማእኸል ኤጳር ሓዊሱ ፀገም ፀፅታ ኣብ ዝተፈጠረለን ከባቢታት፥ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራልን ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ኣብ ፅባሕ ፀገም ዝተፈጠረሉ መዓልቲ ኣብቲ ቦታ ከምዝበፅሑ ዝገለፁ ኣይተ ኣበራ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ምርግጋዕ ሰላምን ምኽባር ልዕልነት ሕጊን እናሰርሑ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዞባ መተከል ተረኺቦም እናሰርሑ ከምዝኾኑን ዘተታት ሰላም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተሳለጡ ምዃኖምን ገሊፆም።

በቲ ዝተፈፀመ መጥቃቲ ህይወቶም ዝሰኣኑ ይኹኑ ጉድኣት ዝበፅሖም ትኽክለኛ ቁፅሪ ሰባት እናተፃረየ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ኣመልኪቱ ዝጋዋሕ ዘሎ ኣሃዝን ኣብ ሞንጎ ክልተ ብሄራት ዝተፈፀመ ንምምሳል ዝግበር ፃዕሪን ግን መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ብፍላይ ለውጢ ስዒቡ ዝመፅአ ምስፋሕ ስነ-ምህዳር ፖለቲካ ተተሓሒዙ ጥምረት ፈጢሮም እናተንቀሳቐሱ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ቦዴፓ፣ ቤህኔን ሰዴድን ጉህዴንን፥ ሕጊ ኣኽቦሮም ኣብ ክንዲ ምንቅስቓስ ዝጓዓዙሉ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ሕብረተሰብ ናብ ድንግርግር ንኸኣቱ ከምዝገበሮ ኣብሆም።

ፈታዊ ሰላም ህዝቢ እዞም ሓይሊታት ፀረ-ሰላም ዝሓዙዎ እኩይ ተግባር ንምምካን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራልን ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ጠጠው ንኽብል እቶም ቢሮ ሓላፊ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.