Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መላእ ትግራይ ዳግም ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ተረፍምረፍ እቲ ጁንታው ኣብ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ብፈፀሙዎ መጥቃዕቲ ኣብ መላእ ትግራይ ዳግም ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ።

ዓዲ ጉዱም ኣብ ዝበሃል ከባቢ ካብ ኣላማጣ- መኾኒ- መቐለ ኣብ ዝተዘርገሐ ልዑል መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዘብፅሑዎ ጉድኣት ኢዩ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ ዘሎ፡፡

ቅድሚ ሕዚ እቲ መስመር ልዑል ጉድኣት በፂሑዎ ከምዝነበረን ንምፅጋን ነዊሕ እዋን ከምዝወሰደን ይፍለጥ፡፡

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ዳግም ብምፅጋን መሊሱ ሓይሊ ንምቕራብን እናሰርሐ ከምዝርከብ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.