Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ፆታ ተማሪሖም ብምእታው ዓወት ኣመዝጊቦም።

ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኦሊቃ አዱኛ 2 ሰዓት፣ 6 ደቒቓን 15 ሰኮንድን ብምእታው ተዓዋቲ እቲ ውድድር ኮይኑ።

ኬንያዊ ኣትሌት ኤሪክ ኪፕሮኖ 2ይ እንትወፅእ፥ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ዓስራይ ዘሎ ደረጃ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተማሪሖም ብምእታው ጎብለላት ናይቲ ውድድር ክኾኑ ክኢሎም።

ብመሰረት እዚ ድማ፥ ፀዳት ኣበጀ 3ይ፣ ሌንጮ ተስፋዬ 4ይ፣ ይታያል ኣጥናፉ 5ይ፣ ይሁንልኝ ኣዳነ 6ይ፣ ኣይቼው በንቲ 7ይ፣ ሰይፉ ቱራ 8ይ፣ ጫሉ ደሶ 9ይ ከምኡ እውን ዘውዱ ሃይሉ 10ይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ምድብ ደቂ ኣንስትዮ እውን፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 1ይ ክሳብ 9ይ ዘሎ ደረጃ ተማሪሐን ከኣትዋ ክኢለን ኢየን።

ብመሰረት እዚ፥ ኣትሌት ወርቅነሽ ደገፋ 2ሰዓት 19 ደቒቓን 37 ሰከንድን ብምእታው ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ፤ ኣትሌት ጉተኒ ሾሜ ካልአይቲ፣ ኣትሌት በዳቱ ሂርጳ ሳልሰይቲ ኮይነን ውድድረን ክዛዝማ ክኢለን።

ብተወሳኺ ኣትሌት ትዕግስት ባያቸው፣ ኣትሌት ደራ ዲዳ፣ ኣትሌት ሃዊ ፈይሳ፣ ኣትሌት ብዙነሽ ዳባ፣ ኣትሌት ኦብሴ ኣብደታን ኣትሌት ቡዜ ድሪባን ካብ 4ይ ክሳብ 9ይ ደረጃ ተማሪሐን ብምእታው ውድድረን ብዓብላላይነት ዛዚመን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.