Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞዛምቢክ ብሓደጋ ምስማጥ ጃልባ ልዕሊ 90 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ጠረፍ ባሕሪ ሞዛምቢክ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምስጣም ጃልባ ልዕሊ 90 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ኣብ ሞዛምቢክ ሰብ መዚ ግዝኣት ናምፑላ÷ እታ ጃልባ 130 ዝኾኑ ሰባት ኣሳፊራ ከምዝነበረትን ካብቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተረፉን ተዛሪቦም፡፡

ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ሰባት ብዙሓት ህፃናት ከምዝርከቡዎም ዝተዛረቡ ዋና ፀሓፊ ናምፑላ ጄይም ኔቶ÷ እቶም ሰባት ለበዳ ሕማም ኮሌራ ብምፍራሕ እናኸዱ ከምዝነበሩ ኣልዒሎም፡፡

እታ ጃልባ ብተሳፈርቲ ተጨናኒቓ ከምዝነበረትን መገደኛታት ንምፅዓን ምቹው ከምዘይነበረን እውን እቶም ዋና ፀሓፊ ገሊፆም፡፡

እታ ጃልባ ካብ ጠረፍ ባሕሪ ሉንጋ ናምፑላ ናብ ደሴት ሞዛምቢክ እናተጓዓዘት ከምዝነበረት እውን ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.