Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብጥንቆላን ድፍትርናን ኣቢሎም ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ፀገም ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ኣካላት ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ስራሕቲ ባህላዊ ሕክምና ዝነጥፉ ኣካላት ኣብ ጥዕናን ስነልቦናን ሕብረተሰብ ፀገም እናፈጠሩ ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ።

ባህላዊ ሕክምና ብዘይሕጋውያን ካብ ኣግባብ ወፃኢ ምስራሕ ኣብ ሕብረተሰብ ስነልቦናውን ቁጠባውን ቅልውላው ከም ዘቃልዑ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ደ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ሓቢሮም።

ደ/ር ሓጎስ ነዚ ዝበሉ፥ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ባህላዊ ሓኻይም ትግራይ ኣብ ዝተገበረ ዘተ እዮም።

ባህላዊ ሕክምና ናይ ባዕሉ ዝኾነ ንፁር ፖሊስታትን ደንብታት ዘለዎ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥  ኣብ ትግራይ ልዕሊ 400 ዝኣኽሉ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣብ ዙርያ ባህላዊ ሕከምና ዝነጥፉ ኣካላት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ጠንቂ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ምፍዋስ ከም ጥንቆላን ድፍትርናን ዝበሉ ነቲ ሕብረተሰብ ስነ ልቦናዊ ተፅዕኖ ዘለዎም ስራሕቲ ምስራሕ ከም ዘሎ ሓቢሮም።

“ዘይሕጋዊ ባህላዊ ሓካይም እንብሎም እናተዛዋወሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝሰርሑ፣ ካብ ፍቓድ ወፃኢ ኣብ ዘይሕጋዊ ጎዳእቲ ልምድታት ዝተዋፈሩን ኣብ ልዕሊ ናይ ሕብረተሰብ መነባብሮ ፅለዋ ዘሕድሩን ኢዮም” ኢሎም።

ስለዝኾነ ገንዘብ ንምርካብ ኢልካ ኣብ ልዕሊጥዕና ሀዝቢ ፀገም ኣብ ልዕሊዝፈጥሩ ኣካላት ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ  ሕጋዊ ፍቓድ ኣብ ዘለዎም ኣካላት ዳግም ዳህሳስ ከም ዝግበር ደ/ር ሓጎሰ ሓቢሮም።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.