Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 452 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7 ሺሕን 294 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 452 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 301 ካብ ኣዲስ ኣበባ ፣ 32 ካብ ክልል ትግራይ፣ 19 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 34 ካብ ጋምቤላ፣ 9 ካብ ክልል ኣምሓራ  ከምኡ̕ውን 2 ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ፣ ካበ ከለለ ሲዳማ 5፣ 12 ካብ ክልል ሶማሌ፣ 21 ሰብ ካብ ክልል ዓፋር፣ 17 ድማ ካብ ክልል ደቡብ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

ክሳብ ሐዚ ን350 ሺሕን 160 ሰባት ብመሰረት ዝተገበረ ምርመራ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ቁፅሪ ሰባት 11 ሺሕን 524 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሸሞንተ ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 188 በፂሑ ኣሎ።

58 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብድምር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 5 ሺሕን 506 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.