Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣካይዳ ኦፕሬሽን ፀፅታን ድሕንነትን ብዝምልከት ገምጋም ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣካይዳ ኦፕሬሽን ፀፅታን ድሕንነትን ብዝምልከት ገምጋም ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላን ምክትል ኢታማዦር ሹም ጀነራል ኣበባው ታደሰን ከምኡውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልን ሰራዊት ምክልኻልን ተረኺቦም።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ብመሰረት ዝወሰኖ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ስግኣት ድሕንነት ህዝቢ ምውጋድ፣ ንወፃኢ ፀላእቲ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ዘሎ ተቓላዕነት ውሽጢ ምቕናስ ከምኡውን ሰላም ብምንጋስ ልምዓት ምርግጋፅ ተሓሳቢ ተገይሩ ናብ ስራሕ ምእታዉ ይዝከር።

እቲ ቤት ምኽሪ ባህጊ ፖለቲካ ዘለዎም ዕጡቓት ሓይሊታት ብምፍላይ መልክዕ ምትሓዝ፣ ተዓጢቖምን ተወዲቦምን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ናብ ሕጋዊ ስርዓት ንክኣትዉ ምኽኣል ተሓሳቢ ዝገበረ ኣንፈት ምቕማጡ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣካላት ፀፅታን ኣመራርሓ ክልላትን ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ምርግጋፅ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ተገምጊሞም ቀፃሊ ኣንፈት ክወሃብ ኢዩ ከምዝተብሃለ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.