Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ትወልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዘለውዎ ብምዃን ታሴራ ትውልዲ ኢትዮጵያ ምሕዳስን ምቕባልን ዝኽእልሉ ስርዓት ተግባራዊ ምዃን ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ትወልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዘለውዎ ብምዃን ታሴራ(Origin ID)  ትውልዲ ኢትዮጵያ ምሕዳስን ምቕባልን ዝኽእልሉ ስርዓት ተግባራዊ ምዃን ጀሚሩ።

እቲ ሰርዓት ኤጄንሲ ኢሚግሬሽን ዜግነትን ወሳኒ ኩነትን፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካን ቪዲቸር ምስ ዝተብሃለ ኩባኒያ ብምትሕብባር ኢዩ ተግባራዊ ምዃን ጀሚሩ።

በቲ ስርዓት ተረባሕቲ ዝኾኑ ተገልገልቲ፥ ዝተሓደሰ ፓስፖረት ወይ ትውልዲ ታሴራ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ናብ ኤምባሲ ብምምልላስ ዘጥፍእዎ ግዘን ወፃኢን የለን ተባሂሉ።

እቲ ስርዓት ብብርኪ ፈተነ ን6 ኣዋርሕ ዝፀንሕን ለውጡ ዝግምገምን እንትኸውን፥ ውፅኢቱ ተራእዩ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ ደረጃ ብደረጃ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.