Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክልል ትግራይ “ደመይ ንወገነይ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ደም ይልገስ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክልል ትግራይ “ደመይ ንወገነይ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ደም ይልገስ ኣሎ።

ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ተምሃሮን መምህራንን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ካሌብ፥  ሰኣን ንጣብ ደም ሂወት ወገናትና ክንስእን የብልና ብምባል ደም ለጊሶም።

ደም ብምልጋሶም ኣብ ጥዕነኦም ዘጋጠሞም ፀገም ከምዘየለ ዝገለፁ እቶም ተምሃሮን መምህራን፥ ንጣብ ደም ሂብና ሂወት ወገናትና ብምድሓንና ታሕጓስን ዕግበት ሕልናን ፈጢሩልና ኢሎም።

ርእሰ መምህር ካሌብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መምህር ኣድሓኖም ሓጎስ፥ ናይዚ ዕድል እዚ ተሳተፍቲ ብምዃንና ሕጉሳት ኢና ድሕሪ ምባል ሕብረተሰብ ኣብ ልገሳ ደም ዘለዎ ርድኢት ትሑት ብምዃኑ ክስረሐሉ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ሰኣን ንጣብ ደም ህይወት ወገናትና ክንስእን ስለዘይብልና ደም ብምሃብ ሂወት ወገናትና ኣብ ምድሓን እጃምና ንምብርካት ድልዊ ክንከውን ኣለና ኢሎም።

መተሓባበሪት ኬዝቲም ምልዓልን ምውዳብን ሕብረተሰብ ባንኪ ደም መቐለ ወይዘሮ ፍትሓዊት ኪሮስ፥ ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልልና ዝነበረ ኲናት ፀገም ቀረብ ደም ዘጋጥሞም ሰለማዊ ዜጋታት ብርክት ዝበሉ እዮም ኢለን።

ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝካየድ ዘሎ ምልጋስ ደም ዝሐሸ እኳ እንተኾነ ኣብ ልገሳ ደም ዘሎ ግንዛበ ግና ገና ክስረሐሉ ዝግባእ እዩ ይብላ።

ብምዃኑ ካብቶም ህይወት ወገናት ንምድሓን መርኣያ ኮይኖም ዘለዉ ተምሃሮን መምህራንን ተሞክሮ ብምውሳድ ኣብ ልገሳ ደም ኩሉ ክሳተፍ ፃውዒት ምቕራበን ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማጅክ ካርፔት ብተመሳሳሊ ኣብዚ ሰሙን ልገሳ ደም ከም ዝተኻየደ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.