Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሓበሮ÷ መበል 128 ክብረ በዓል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ፒያሳ ዝርከብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ክኽበር ኢዩ፡፡

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን 23 ለካቲት 2016 ዓ.ም ዝኽበር መበል 128 በዓል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብዓወት ንኽኽበር ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ምፍላጡ ይዝከር፡፡

እቲ ክብረ በዓል ኣብ ዝኽበረሉ ዕለት ምጭንናቕ ትራፊክ ከየጋጥምን ኣሽከርከርቲ ኣማራፂ መገዲታት ንኽጥቀሙ ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ከምዝኾኑ እውን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ፡-

  • ካብ ኣፍንጮ በር ናብ ቅ/ጊዮርጊስ ቤ/ክርስቲያን
  • ካብ ሰሜን ሆቴል ናብ ቅ/ጊዮርጊስ ቤ/ክርስቲያን
  • ካብ ዮሃንስ ቤተ ክርስቲያን ናብ ኣቡነ ጴጥሮስ
  • ካብ ኣራት መንታ ናብ ጅንኣድ
  • ካብ ይርጋ ሃይሌ የገበያ ማዕከል ናብ ኣቡነ ጴጥሮስ
  • ካብ ሃብተ ጊዮርጊስ ድልድይ ናብ ሱማሌ ተራ
  • ካብ ሱማሌ ተራ ናብ ኤሊያና ሆቴል (ባንኮዲሮማ) መስቀለኛ
  • ካብ ተክለ ሃይማኖት ኣደባባይ ናብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ
  • ካብ አገር አስተዳደር መብራት ( ኢሚግሬሽን) ናብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ
  • ካብ ንግድ ማተሚያ ቤት ናብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ
  • ካብ ኣሮጌው ቄራ ናብ ባንኮ ዲሮማ መብራት
  • ካብ ራስ መኮንን ድልድይ ናብ ደጎል ኣደባባይ
  • ካብ ራስ መኮንን ድልድይ ናብ ቅ/ጊዮርጊስ ቤ/ክርስቲያን
  • ካብ መቅደላ ሆቴል ናብ ቅ/ጊዮርጊስ ቤ/ክርስቲያን
  • ካብ ቅ/ጊዮርጊስ ቤ/ክርስቲያን ናብ ቴሌን ናብ ቅ/ጊዮርጊስ ቤ/ክርስቲያን ፊት ንፊት ናብ ዝርከብ ኣደባባይ ዝወስዱ መገዲታት፤

ካብ 23 ለካቲት 2016 ዓ.ም ካብ ወጋሕታ 11 ሰዓት ጀሚሩ ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ስለኾኑ÷ ኣሽከርከርቲ እዚ  ተገንዚቦም ኣማራፂ መገዲታት ንኽጥቀሙን ፖሊስ ትራፊክ ዝጥቁሞም ኣንፈታት ብምጥቃም ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብሩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ በዓል ኣብ ዝኸበረሉ ከባቢ ካብ ድሮ እቲ በዓል ሎሚ መዓልቲ 22 ለካቲት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ እቲ በዓል ክሳብ ዝዛዘም ኣብ ላዕሊ ዝተፀርሑ መገዲታትን እቲ ፕሮግራም ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋን ተሽከርካሪት ምሕዳር ይኹን ንሓፂር ግዘ ይኹን ንነዊሕ ሰዓት ጠጠው ኣቢልካ ምኻ ፍፁም ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.