Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣረግቶት መኻይን ክእገዳ ኢየን ብዝብል ዝውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣረግቶት መኻይን ክእገዳ ኢየን ብዝብል ዝውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝኾነ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ኣይተ ዲዳ ድሪባ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ እተን ተሽከርከርቲ ዘውፅእኡ ትኪ ንከባቢ ንከይብክል ቁፅፅር ዓቐን ክግበር ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ናብቲ መለክዒ ከምዝእቶ ተዛሪቦም።

ንቁፅፅር ንክጥዕም ድማ ካብተን ተሽከርከርቲ ዝወፅእ ትኪ ምቁፅፃር ዘኽእል መምርሒ ይዳሎ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ መምርሒ ኣረግቶት ተሽከርከርቲ ካብ መስመር ንምውፃእ እንተይኮነስ በካሊ ጋዝ ዘውፅኣ ተሽከርከርቲ ብምቁፅፃር መስተኻኸሊ ንክገብራ ዘኽእል ከምዝኾነ ኢዮም ገሊፆም።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.