Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 5 ሺሕ ተገጣጠምቲ ኣባይቲ ክህነፁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 5 ሺሕ ተገጣጠምቲ ኣባይቲ ንምህናጽ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሩ።

ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ህንፀት፥ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኣባይቲን ምምሕዳርን ያሲን ውሃቢ ረቢ፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ኢንጂነር ዮናስ ኣያሌውን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ተረኺቦም።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ ፕሮጀክት፥ 5 ሺሕ ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዛዚምካ ንምርካብ ትልሚ ዝተትሓዘሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብታ ከተማ ብሓፈሻ 10 ሺሕ ተገጣጠምቲ ኣባይቲ ዝህነፁ እንትኾኑ፥ በዓል 4ን 9ን ደብሪ ናይ መንበሪን ንግዲን ኣባይቲ ክህነፁ ኢዮም ኢዮም ተባሂሉ።

ህንፀቱ ድማ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ከሳልጦ ኢዩ።

ብዘቢብ ተክላይ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.