Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን ስደት ዝጠፍኡ ሰባት ዝምልከት መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ኣብ እዋን ስደት ዝጠፍኡ ሰባት ዝምልከት መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ÷ “ኣብ ኣፍሪካ ዝጠፍኡ ስደተኛታት ጉዳይ ምላሽ ምሃብ፤ ካብ ፖሊሲ ክሳብ ስጉምቲ” ብዝብል ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ሓለፍቲ ክፍሊታት ስራሕ ወሰንቲ ትካላትን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት፣ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ፣ ተወከልቲ ለገስቲ ትካላት፣ ተዋሳእቲ ጉዳይ ስደተኛታት፣ ተመራመርቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ እዋን ስደት ዝጠፍኡ ሰባት ንምክልኻልን ሰብኣዊ ክብሮም ክሕሎን ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምኽክር ከምዝግበር ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.