Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ዝንቀሳቐሱ ሓለፍቲ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ኣብ እታወት ቀረብን እቶም ፋብሪካታት ዝርከቡሎም ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ፀፅታን ዘድሃበ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር መዓድን ኢንጅነር ታከለ ኡማ፣ ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወሉ ኣብዲን ከምኡ እውን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓለፍቲ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ተረኺቦም፡፡

ኢንጅነር ታከለ ኡማ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፥ ኣብ ዘተና ቀረብን እቶም ፋብሪካታት ዝርከቡሎም ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ፀፅታን ኣድሂብና ተመያይጥና” ኢሎም፡፡

መናእሰይ ምስቶም ፋብሪካታት ብምትእስሳር ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ዝኽሉሉ መገዲ ንምምችቻው ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ስርዓት ዕድጊት ሲሚንቶ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ እውን ብምውዳድ ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.