Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክፍለ ከተማ ጨርቆስ ብተሽከርካሪ ብዝተገበረ ተፍቲሽ ዝተፈላለዩ ሸጓጉጢን ጠያይቲን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ ጨርቆስ ብተሽከርካሪ ብዝተገበረ ተፍቲሽ ዝተፈላለዩ ሸጓጉጢን ጠያይቲን ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መጥቃዕቲ ንምፍፃምን ሰላም ንምዝራግን ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ዝግበር ክትትል ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

ቁፅሪ ታርጋ 2A-41649 አ.አ ዝኾነት ተሽከርካሪት ኣብ ክፍለ ከተማ ጨርቆስ ወረዳ ኣራት ብልሙድ ቀበሌ 31 ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ እንትበፅሕ ኢዩ ንተፍቲሽ ደው ንክብል ብፖሊስ ኣባላት ዝተሓተተ።

ምክትል ኢንስፔክተር ምትሕብባር መርመራ ገበን መምርሒ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ  ስለሺ ሸንቁጤ ኢንስፔክተር ስለሺ ሸንቁጤ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ውሽጢ እታ ተሽከርካሪት በዝተገበረ ፍተሻ 4 ዝተፈላለዩ ሸጓጉጢ፣ 30 ጠያይቲ ክላሸን ምስ ካርትኡን 39 ጠያይቲ ሽጉጥን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ዝተሳተፉ ሰለስተ ተጠርጠርቲ ምስቲ ተሽከርካሪ ተታሒዞም ምርመራ ይግበር ከምዘሎ ምክትል ኢንስፔክተር ስለሺ ኣረዲኦም።

ካብ ህወሓት ብዝተውሃቦም ተልእኾ ጥፍኣት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መጥቃዕቲ ንምፍፃምን ሰላም ንምዝራግን ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ትልሞም ንከይዕወት ንምግባር ምስ ሕብረተሰብን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምዃን ይስራሕ ከምዘሎን እዚ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅሎን ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.