Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ጉዕዞ ንክሰመር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ አበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ጉዕዞ ንክሰመር ይስራሕ ከምዘሎ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ሚሲዮናት ፌዴሪኢ ገሊፆም።

ብመሰረት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዘቕረብዎ ፃውዒት፥ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ጉዕዞ ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብርትኳን ኣያኖ፥ ሚሲዮናት ቅድመ ሐዚ ኣብ ዝተሳለጠ ሃገራዊ ፃውዒት ናይ ምትሕብባር ልምዲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘቕረብዎ ፃውዒት ንምትሕብባር ዝጀመርዎ ስራሕቲ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣገንዚቦም።

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ መሓመድ እንድሪስ (ዶ/ር)፥ እቲ ፃውዒት ስዒቡ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ተውልዲ ኢትዮጵውያን ዝሀልዎም ፃንሒት ፅቡቕ ንክኸውን ዘተሓባብሩ ኮሚቴታት በምጥያሽ ኣብ መስራሕ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.