Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ቤልግሬድ ውድድር ጒያ ውሽጢ ገዛ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 18 ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ቤልግሬድ ውድድር ጒያ ውሽጢ ገዛ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ሚኒስትር ባህልን ስፖርቲን ኣይተ ቀጄላ መርደሳን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ  ኣትሌት ደራርቱ ቱሉን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ፕሬዚዳንትታት ፌዴሬሽን ስፖርቲን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ነቶም ኣባላት ናይ እንኳዕ መፃእኹም ሕቑፊ ዕንበባ ከምዝተበርከተሎም ተገሊፁ።

ነቶም ኣትሌታት ኣብ ሸራተን ኣዲስ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት መተባብዕን ኣፍልጦን ሽልማት ከምዝህሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ቤልግሬድ 2022 ውድድር ጒያ ውሽጢ ገዛ ኢትዮጵያ ብ9 ሜዳሊያታት ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ይዝከር።

ኢትዮጵያውያን አትሌታት ኣብቲ ውድድር ብክልቲኦም ፆታታት 4 ወርቂ፣ 3 ብሩርን 2 ነሃስን ብድምሩ 9 ሜዳሊያታት ንሃገሮም ኣምፂኦም ኢዮም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.