Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕስለ ኣንበጣ ንምጥፋእ ዘኽእል ነፀጋ ኬሚካል ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕሊ 700 ሄክታር መሬት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕስለ ኣንበጣ ንምጥፋእ ዘኽእል ነፀጋ ኬሚካል ይካየድ ምህላዉ ቢሮ ሕርሻ ልምዓት ገፀርን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

በዓል ሞያ ኣዝርእቲ እቲ ቢሮ ኣይተ ዘነበ ክብረት ከምዝበልዎ፥ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ናብቲ ዞባ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ቁፅፅር ምውዓል እንተተኽኣለ እኳ ብዝተገበረ ዳህሳስ ከምብሓዱሽ ምግጣሙ ተረጋጊፁ ኣሎ።

እቲ ዕስለ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣብ ዘሎ 700 ሄክታር መሬት ከምዘጋጠመ ዝተረጋገፀ እንትኸውን፥ ነዚ ንምጥፋእ ዘኽእል ነፀጋ ኬሚካል ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሐዚ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ኣዝርእቲ ጉድኣት ከብፅሕ ስለ ዝኽእል ነዚ ንምጥፋእ ካብ ብሐዚኡ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢሎም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብቲ ዞባ ኣጋጢሙ ዝነበረ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ 2 ሺሕ ሄክታር መሬት ለሚዑ ዝነበረ ኣዝርእቲ ጣፍ፣ ስንዳይን ስገምን ጉድኣት ከምዘብፅሐ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.