Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት እናተተግበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንምግባር ሓለፍቲ እቲ ዓውዲ ብትግሃጋት ንኽሰርሑ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እናተተግበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ንምግባር ሓለፍቲ እቲ ዓውዲ ብትግሃጋት ንኽሰርሑ ተሓቢሩ።

“ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክብ ንዝበለ ፅዕንቶ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ዝፀንሐ ፎረም ሓለፍቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተዛዚሙ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ÷ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እናተተግበሩ ዝርከቡ ቁልፊ ስራሕቲ ለውጢ ውፅኢታዊ ንምግባር ሓለፍቲ እቲ ዓውዲ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ ፎረም፤ ኣብ ኣተገባብራ ዝተጀመሩ መርሃ ግብሪታት ለውጢ፣ ዓወታት ለውጢን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ዘተ ዝተገበረ እንትኸውን÷ ኣብ ኣንፈታት ስራሕ እውን ምኽክር ተገይሩ፡፡

ሚኒስቴር ትምህርቲ ሓዊሱ ፕሬዚዳንታትን ሓለፍቲ ስራሕን ኩለን ዩኒቨርሲቲታት ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ ፎረም ከምዝተሳተፉ ሓሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.