Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ግብፂ ብተግባር ግብረ ራዕዲ ዝተኸሰሱ 112 ሰባት ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተበይኑሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ግብፂ ኣብ ተግባር ግብረ ራዕዲ ተሳቲፎም ዝተብሃሉ 112 ሰባት ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ተበይኑሎም።

እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ግብፂ ኢዮም ብገበን ተግባር ግብረ ራዕዲ ትፍኣተኛታት ዝተብሃሉ።

እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ጣቢያታት ኬላ መጥቃዕቲ ብምፍፃም፣ ኣብ ልዕሊ ሓጋዚ ዓቃቢ ሕጊ ህዝቢ ፈተነ ቅትለት ፈፂሞም ዝብል ሓዊሱ ኣብ 14 ተግባር ገበናት ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ቀሪቡዎም ኢዩ።

እቶም ውልቀ ሰባት፥ ኣባላት ሃዝም እናተብሃለ ዝፅዋዕ ጉጅለ ዕጡቕ ኢዮም ተባሂሉ።

ሰበ ስልጣናት ግብፂ፥ እቲ ጉጅለ ዕጡቕ ኣባል ናይቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2013 ብወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝተወገደ ጉጅለ ኣሕዋት ሙስሊም ኢዩ ዝብል ግምት የቐምጡ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.