Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍ ንክገብር ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንዝትግበሮ ፕሮጀክትታት ጠንካራ ምትሕብባርን ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍን ንክገብር ሓቲቶም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ዳይሬክተር ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ ጆናታን ንዛይኮሬራ ዘቲዮም።

እቲ ባንኪ ኣብ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ኢትዮጵያ ከምኡውን ኣህጉራዊ ፕሮጀክትታት ብምትሕብባር ኢሉ እውን ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ብምድጋፍ ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።

ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ምምሕያሻትን ህንፀት ዓቕሚን እቲ ባንኪ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ቴክኒክ አመስጊኖም።

ኣብ ቀፃሊ ንዝትግበሩ ፕሮጀክትታት ጠንካራ ምትሕብባርን ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍን ንክገብር ሓቲቶም።

ጆናታን ንዛይኮሬራ ብግደኦም፥ እቲ ባንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ንመሰረተ ልምዓት፣ ማይ፣ ግብርናን ፕሮጀክትታት ኣግሮ ኢንዱስትሪን ከምኡውን ዝተፈላለያ ትካላት ዝህቦ ኩለ መዳይ ደገፍ ኣብሪሆም።

እቲ ባንኪ ንመንግስታዊን ውልቀን ትካላት ዝገብሮ ደገፍ ብዝምልከት መብርሂ ከምዝሃቡ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.