Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሚ ጀሚል ኣብዱላህ ተዛቲዮም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዘድሊ ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምዝዛሙ ስዒቡ ትካላት ሓገዝን ኣካላት ሚዲያን ኣብቲ ክልል ንኽንቀሳቐሱ ምቹው ኩነታት ምፍጣሩ፣ ዝተሃሰዩ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ምህናፅን ተመዛበልቲ መሊስካ ናይ እግሪ ምትካልን ተግባራት ከምዝተዓመሙ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብገለልተኛ ትካላት ንምፅራይ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽአል ደልዉነት ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣቢሉ ንክቕፅል ድልየት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ብወገን ሱዳንን ግብፅን ዝቐረብ ዘሎ ሓሳብ ንኢትዮጵያ ዕላዊ ብዝኾነ መገዲ ዘይቀረበ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝፍጠሩ ኣፈላላያት ብመሰረት መርህ ዝፍታሕ ከምዝኾነ ኣይተ ደመቀ ተዛሪቦም።

ኣብ ዶብ ኢትዮ ሱዳን ዘሎ ውጥጥ ብዝምልከት፥ ሱዳን ዝሓዘቶ ሉእላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ እንትትለቅቕ ብድርድር ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ደልውቲ ከምዝኾነት እውን ገሊፆም።

ኣብ ስዑዲ ዓረድ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለዉ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ብወገን መንግስቲ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣምባሳደር ሳሚ ጀሚል ኣብዱላህ ብግደኦም፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ነዝተገበረሎም መብርሂ አመስጊኖም።

ኣብ ስዑዲ ዓረድ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለዉ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መነግስቲ እታ ሃገር ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.