Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ሕድሳት ገዛውቲ ዓቕመ ደካማታት ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ወረዳ 2 ብልምዲ ሓምለ 19 ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ዓቕመ ደካማታት ገዛውቲ ሕድሳት ኣጀሚሮም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምዃን 12 ገዛውቲ ከምዘሕድስ ኣፍሊጡ።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ መሓዙት ኣካላት ብምዃን ሓገዝ ዘድልዮም ኣብ ትሑት ናብራ ዝርከቡ ዓቕመ ደካማታት ናብረኦም ንምክፋል ብምሕሳብ ሕድሳት እቶም ገዛውቲ ከምዘጀመሩ ኣብቲ እዋን ምጅማር ሕድሳት ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ዝገብሮ ናይ ምሕዳስ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣይተ ደመቀ ቃል ኣትዮም፡፡

ብቅድስት ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.