Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ግርማ ዝተሰውኡሉ ዕላማ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብምርብራብ ብልፅግናና ብፅንፈኛታት ዘይተዓናቐፍ ምዃኑ ክነረጋግፅ ኢና – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ግርማ ዝተሰውኡሉ ዕላማ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብምርብራብ ብልፅግናና ብፅንፈኛታት ዘይተዓናቐፍ ምዃኑ ክነረጋግፅ ኢና ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም ኣብ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ኣይተ ግርማ የሺጥላ ተረኺበን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ኣይተ ግርማ ሃገራዊ ራኢ ዝሰነቑ፣ በሳልን ቆራፅን ኣገልጋሊ ህዝቢ ዝነበሩ ውላድ ቁርፂ እዋን ከምዝነበሩ ተዛሪቦም፡፡

ኣፈላላይ ምስባኽ ዝፅየፉ፣ ፅንፈኝነት ኣምሪሮም ዝቃለሱን ኩል ግዜ ንፍትሒን ማዕርነትን ጠጠው ዝበሉ ሓቀኛ ኣመራርሓ ከምዝነበሩ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብምኽንያታዊነት ዝካትዑ፣ ጅግናን ለባምን መራሒ ምዃኖም እውን ኣይተ ኣደም ፋራህ ተዛሪቦም፡፡

“ኣይተ ግርማ፤ ንሃገርና፣ ንህዝቢናን ፓርቲናን ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ኣይንርሰዖን ዝበሉ ኣይተ ኣደም÷ መላእ ኣመራርሓን ኣባላትን ፓርቲ ብልፅግና፤ ኣይተ ግርማ ዝዝተሰወአሉ ዕላማ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሉ ብምርብራብ ብልፅግናና ብፅንፈኛታት ዘይተዓናቐፍ ምዃኑ ክነረጋግፅ ኢና” ኢሎም፡፡

ንመራሒ ህዝቢ እናቐተሉ፤ ናይ ንፁሃን ዜጋታት መሰል ብህይወት ምንባርን መሰል ድሕንነት ኣካልን እናገፈፉ ክዕወት ዝኽእል ዘላቒ ረብሓ ከምዘየለ እውን ኣገንዚቦም፡፡

“ኣሕዋትና ዝቐተሉ ፅንፈኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና” እውን ኢሎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.