Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ግርማ የሺጥላ ዘነበረ ንህዝቢ ዕላማ ኢዩ – ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣይተ ግርማ የሺጥላ ዘነበረ ንህዝቢ ዕላማ ኢዩ” ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር)÷ኣብ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ኣይተ ግርማ የሺጥላ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእጅቶም ድማ÷ “ብተኸታታሊ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዝፍፀም መቕተልቲ፤ ስቓይን መከራን ህዝቢ ኣምሓራ ንምንዋሕ ዝሰርሑ ፅንፈኛ ሓይሊታት ዝቐፀለ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም፡፡

“መስዋእትነት ሓውና ግርማ ብፍላይ ንኣመራርሓና ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ንኹልና ዝሓዝናዮ ዕላማ ንምዕዋት ክሳብ መስዋእትነት ቆሪፅና ንምኻድ ናይ ግድን ዝብለና ምዃኑ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣይተ ግርማ የሺጥላ ተቓላሳይ፣ ህርኩትን ቆራፅን ከምዝነበሩ ብምሕባር÷ “ናይቲ መጥቃዕቲ ዜና ንህዝብናን ኣመራርሓናን መደንገፂ፣ መሪርን ልቢ ዝሰብርን ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ ሓዘን ብዝበለፀ ተጠናኺርና ሓድነትና ሓሊና ንሓበራዊ ሰላምን ልምዓትን ክንለዓል ክንለዓል እምበር ንደሓር ዝምልሰና ኣይኮነን ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ብምዃኑ በቢከባቢኡ ከምዝተለመደ ሓድነት ብምጥንኻር ንሰላምን ልምዓትን ዝግበር ቃልሲ ክቕፅል ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.