Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ 5ይ ሰሙን ዝተርኣዩ ጉድለታት ስነ ምግባር ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤትኪንግ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ 5ይ ሰሙን ዝተርኣዩ ጉድለታት ስነ ምግባር ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

ኣመራርሓን ስነ-ስርዓትን ውድድር ሊግ እቲ ኩባኒያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ÷ ኣብ 5ይ ሰሙን ዝተገበሩ ውድድራት ካብ ዳያኑን ተዓዘብቲን ዝቐረቡሉ ፀብፃብ ስነ ምግባር ብምምርማር ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

ብብርኪ ተፃወትቲ ኩሊባሊ ከድር (ፋሲል ከነማ) ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ዝተኣለየ ምዃኑ ሪፖርት ስለዝቐረበሉ÷ 1 ፀወታ ክእገድን ካብዚ ብተወሳኺ 1 ሺሕን 500 ብር ቅፅዓት ገንዘብ ንኽኸፍልን ተወሲኑ።

ኣብ ልዕሊ ጋንታታት ድማ ጋንታታት መቻል ፣ ድሬደዋ ከተማ፣ ሲዳማ ቡና፣ ፋሲል ከነማ ፣ ቅዱስ ጊዮርጊስን ወላይታ ድቻን ሓሙሽተን ልዕሊኡን ተፃወትቲ ብዝተፈላለዩ ጥፍኣታት ካርድ ዝተመልከቱ ብምዃኖም ሕድሕደን 5 ሺሕ ብር ገንዘብ ንኽቕፀዓ ተወሲኑወን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.