Fana: At a Speed of Life!

ካብ ኣመራርሓታት ሸኔ ልኡኽቶ ብምቕባል ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ንተግባር ሽብር እናተንቀሳቐሱ ነይሮም ዝተብሃሉ 9 ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብምዃን ካብ ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ልኡኽቶ ብምቕባል ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ንተግባር ራዕዲ እናተንቀሳቐሱ ነይሮም ዝተብሃሉ 9 ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተጠርጠርቲ÷ ኢፋ መኩሪያ፣ ናስረሰ ያሲን ፣ ገለታ ከተማ፣ ሰኔሳ ኣበራ፣ ሞሲሳ ቶሎሳ፣ ኢማሚ ደርበው፣ ኢፋት ኣሕመድ፣ ደበላ ኣማኑን ኣማንኤል በርኬሳ ኢዮም፡፡

መርማሪ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ጉዳዮም ሎሚ መዓልቲ ተራኢዩ፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብሓይሊ ንምፍራስ ብምሕሳብ ኣባል ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብምዃን ምስ ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸቢ እናተራኸቡ ልኡኽቶ ከምዝተቐበሉ ፖሊስ ንመጋባእያ ኣረዲኡ፡፡

ብምዃኑ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ናይ ህዝቢ መራኸቢ ቦታታት መጥቃዕቲ ንምብፃሕ፤ ብሕቡእ ተወዲቦም በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ስልጠና ብምውሳድ፣ ናይ ከተማ ስጉምቲ ወሰድቲ፣ ኣባላት ኣባ ቶርቤን ዝተፈላለዩ ቀረባት ሎጂስቲክስ ብምቕራብን 15 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ኣበባን ከባቢኣን ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ከምዝተትሓዙ ኣብሪሁ፡፡

ተጠርጠርቲ ብግደኦም÷ ገበን ከምዘይፈፀሙ ብምሕባር፤ ንፖሊስ መረዳታ ንምእካብ ተባሂሉ ተወሳኺ ግዘ ክወሃብ ከምዘይግባእን ከምኡ እውን መሰል ዋሕስ ንኽኽበረሎም ሓቲቶም።

ንክልቲኡ ወገን ዝመርመረ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ሕቶ ዋሕስ ተጠርጠርቲ ንግዚኡ ብምሕላፍ ፖሊስ ዝሓተቶ ተወሳኺ 14 መዓልቲ ምርመራ ሸሞንተ መዓልቲ ከምዝፈቐደ ተሓቢሩ፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.