Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ 1193 ምልምል ኣባላት ፖሊስ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ካብ ማእኸል መሰልጠኒ ፖሊስ ኮንቲንጀንት ኮልፌ 1 ሽሕን 193 ሓደሽቲ ምልምላት ፖሊስ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ፖሊስ ምዃን ክቡር ሞያ እዩ ኢለን።

ኣዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ እዛ ሃገርን መንበር ኣህጉራውን ዲፕሎማስያውን ምዃና ዝገለፃ ከንቲባ ኣዳነች፥ እታ ከተማ እናዓበየት ትኸይድ ከምዘላን ብዝሒ ህዝባ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን ገሊፀን።

ተመረቕቲ ኣብ ከተማ ዝረአ ዘሎ ህውከት ምውጋድን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን፤ ምስ ህዝቢ ብሓባር ምስራሕን ምግልጋልን፤ ፍትሓውን ዘይሻራውን ምዃን ከምዘድሊ ሓቢረን።

ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ሰላም ከተማና፤ “ህዝብና ብሰላም ክንሕሉ ኣለና” ኢለን።

ህዝብና ካብ ስግኣት ገበን ሓራ ክኸውን ኣለዎ፤ ምግልጋል ክብሪ እዩ፣ ንገዛእ ህዝብናን ሃገርናን ምግልጋል ድማ እቲ ዝዓበየ ክብሪ ምዃኑ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.